ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ መራሒ ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ ተረቁሑ

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ መራሒ ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ ተረቁሑ

Radio Erena: 20 March 2018

djibouti

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ መራሒ ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ ከምዝተረቁሐ ባይቶ ኤውሮጳ ካብ ቤልጁም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ንቱሪዚምን ንግድን ኣብቲ ብ18 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ ነዚ ክብሪ’ዚ ዝተረቑሐ፣ ቱሪዝምን ምዕባለን ንምትብብባዕ ብዝወሰዶ ተበግሶ’ዩ።

ባይቶ ኤውሮጳ ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ሃገሩ ንቱሪዝምን ንግድን ክፍቲ ብምግባር፣ ምዕባለ ንምውሓስ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ኣሞጕሱ።

ጅቡቲ፣ ብቱሪዝም ዘይትፍለጥ ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ደጌታታ ንወትሃደራዊ መዓስከራትን ኣውፈርቲ ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ሓያሎ ሃገራትን ብምኽፋት፣ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣታዊ ትረክብ ከምዘላ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0