ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ንሓምሻይ እዋን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 16 May 20201

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንሓምሻይ እዋን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ15 ግንቦት ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ካብ 1999 ኣትሒዙ፣ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ገለ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ልዕሊ 98% ድምጺ ብምርካብ፣ ንተወሳኺ 5 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ከምዝተዓወተ’ዩ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ መሓለ ፕረዚደንት ጂቡቲ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ክኾኑ እንከለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ምክልት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሚኒስተር ዴታ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን፣ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣቦ መንበር ኢጋድን ካልኦት ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውድባትን ‘ውን ተሳቲፎም።

ጂቡቲ፣ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሐ፣ ማዕረ መራሒ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ኣቐባቢላ ምግባራ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዘየሐጉሰ ይግለጽ ኣሎ።

ንጂቡቲን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታው ዝኸስስ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ኣጋጣሚ ብምግላል፣ ኣብ ክንድኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ሮብለ’ዩ ተረኺቡ።

ኣብዚ ናይ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ናይ ቃለ መሓላ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ወኪላ ዘይልኣኸት፣ ጎረቤት ጂቡቲ ዝኾነት እንኮ ሃገር፣ ኤርትራ ጥራይ’ያ።

እዚ ድማ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን፣ ብሽምግልና ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ተጀሚሩ ዝተባህለ ርክብ፣ ንድሕሪት ከምዝተመልሰ ዝእንፍት ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዕድመ ምንዋሕ ስልጣን፣ ነቲ ን30 ዓመታት ብዘይ ምርጫ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተኸቲሉ ካልኣይ ተሰሪዑ ይርከብ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0