ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ናብ ካይሮ ክኣቱ’ዩ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ናብ ካይሮ ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 16 January 2019

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ መንጎ ሃገሩን ግብጽን ብዛዕባ ዝጸንሑ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ንምምይያጥ ሎሚ ሮቡዕ 16 ጥሪ ናብ ካይሮ ክኣቱ’ዩ።

እቶም መርሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት በሽር፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ’ውን ክዝት’ዩ ዮም።

ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ዝህልዎ ሳዕቤንን ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ኣብ ማይ ክዖ ናይል ዝርከባ ሃገራት ንዝኸተሞ ስምምዕ ኤንተበ ንምቕያሩ፣ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኩነታት፣ ንግብጺ ተዛማዲ ዕርፈቲ ሂቡዋ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0