ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሙሻይ ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ሰጕጉ

Radio Erena: 06 January 2022


ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፣ ዲየን ቶግ ንጎር ካብ መዝነቱ ኣልዩዎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 3 ጥሪ ኣትሒዙ፣ ነቲ ኣማሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዮ ዝሓበረት መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር፣ ዝተሰጎጎሉ ምኽንያት ኣይጠቐሰትን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ንሓሙሻይ ግዜኡ’ዩ ኣማሓዳሪ ባንክ ዝሰጕግ ዘሎ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነት ካብ ዝኣወጀትሉ ሓምለ 2011፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ 8 ሚኒስተራት ፋይናንስ ካብ ስልጣን ሰጕጉ።

ደቡብ ሱዳን፣ ማዕረ’ቲ ገጢሙዋ ዘሎ ቀቢላ ዝሰረቱ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ብድሆታትን ግጭታትን፣ ብልሽውናን ዝርገትን ሰበ ስልጣን መንግስትን’ውን ኣብ ውድቀት ቁጠባኣ ዓቢ እጃም ኣለዎ።

እታ ሃገር፣ ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ፣ ሓደ ዓመት ከይመልአት፣ ኣብ ሰነ 2012፣ 4 ቢልዮን ዶላር ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተጠፋፍአ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ምውቓሱ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0