ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኣብ ህንዲ ሰንደልደል ምባሉ ኣዛሪቡ

ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኣብ ህንዲ ሰንደልደል ምባሉ ኣዛሪቡ

Radio Erena: 02 November 2015

Mugabe stambel

ብእርጋን ተሰኒፉ ዝርከብ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበትር ሙጋበ፣ ኣብ ህንዲ ከተማ ደልሂ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ህንድን ሃገራት ኣፍሪቃን ሰንደልደል ኢሉ ክወደቕ ኣብ ዝበለሉ ኣብ ጎኑ ብዝነበሩ ናይ ፕሮቶኮል ሰባት ተደጊፉ ደው ክብል ምኽኣሉ፣ ንማዕከናት ዜና ዚምባብዌ ኣዘራሪቡ።

ወዲ 91 ዓመት ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብቲ ናይ ደልሂ ዋዕላ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሮንድራ ሞዲ ሰላምታ ንምልውዋጥ ሓንቲ ኣስካላ ጥራት ናብ ዝነበረታ መድረኽ ንምድያብ ኣብ ዝፈተነሉ’ዩ ምኽኣል ስኢኑ ደንደልደል ኢሉ ንምውዳቕ ዝተቓረበ።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲን እብቲ ቦታ ዝነበረ ኣባላት ፕሮቶኮልን ድማ ተጓይዮም ንፕረዚደንት ሙጋነ ብምድጋፍ ካብ ምውዳቕ ኣድሒኖሞ።

ማዕከናት ዜና ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪተን ኣብ ዝተዛረባሉ እዋን ከኣ፣ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት “ንእሽቶ ፍጻሜ” ክብል መግለጺ ሂብሉ።

ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ዚምባብዌ ግና እቲ ፕረዚደንት ሃገር ንምምራሕ ኣብ ዘጸግን ናይ ዕድመ ኩነታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ስልጣኑ ናብ ሓድሽ ወለዶ ከሰጋግር እዋኑ ምዃኑ ኣዘካኺሮም።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብ ኣብዚ ዓመት’ዚ ተመሳሳሊ ክስተት እናጋጠሞ ብማዕከናት ዜና ብቀጥታ ክፍኖ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ’ውን ካብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንደልደል ኢሉ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ን28 ኣባላት ሓለዋን ፕሮቶኮልን ካብ ስራሕ ከምዝሰጎጎም ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እዚ ብእርጋን ተሰኒፉ፣ ኣብ ምንቕስቓስ ዝጽገም ዘሎ፣ ኣብ ኣገደስቲ እኼባታት ድማ ብምድቓስ ዝፍለጥ ሮበርት ሙጋበ፣ ን34 ዕእመታት ንዙምባብዌ መሪሑዋ ጥራይ ከይእከል፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ’ውን፣ ነታ መዓስከር ውልቀመለኽቲ እናተባህለት እትግለጽ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ውርደት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ውልቀ መለኽቲ ዘለውዋ ኣህጉር ኮይና፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መራሕቲ’ዛ ኣህጉር፣ ዋላ’ውን ብጽኑዕ ኣብ ዝሓምሉ እዋን፣ ውሑስ ናይ ስልጣን ምስግጋር ከይተኣታተዉ ን10ታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምኹያጥ’ዮም ዝሕልኑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0