ፕረዚደንት ኮንጎ፣ ንሱዳንን ግብጽን ምስ ኢትዮጵያ ንምቕርራብ ዝዓለመ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 10 May 2021

ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ፈሊክስ ትስከዲ፣ ብጉዳይ ናይል ተሰሓሒበን ንዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ምስ ኢትዮጵያ ንምቕርራበን ዝዓለመ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ብ08 ግንቦት ናብ ካርቱም ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶን ብምርኻብ ዘትዩ።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ፈሊክስ ኣብቲ ምስ መራሕቲ ሱዳን ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ዘሎ ዘተ ሱዳን፣ ግብጽን ኢትዮጵያን ዳግም ንምብርባሩ ዘንቐደ ሓድሽ ተበግሶ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ማርያም ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ሱዳን ነቲ ብፕረዚደንት ኮንጎን እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቐረበ ሓድሽ ተበግሶ ከተጽንዖ ምዃና ኣፍሊጣ።

እንተኾነ እቲ ዝቐረብ ሓድሽ ተበግሶ፣ ዝርዝራቱ ኣይተሓበረን።

ፕረዚደንት ፈሊክስ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ሰብ ሰበ ስልጣን ሱዳን ኣብ ካርቱም ዘካየዶ ምይይጥ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ግብጺ’ውን ተመሳሳሊ ርክባት ንምክያድ ናብ ካይሮ’ዩ ኣምሪሑ።

መራሕቲ ሱዳን፣ ብጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ከምኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ዶባዊ ግጭትን ብዝምልከት፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ጥራይ፣ ምስ ፕረዚደንታት ኤርትራን ኮንጎን ከምኡ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ካርቱም ርክባት ኣካይዶም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0