ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ኣብ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena:07 October 2022

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓደ ካብ ሸምገልቲ ናይቲ ኣብ 8 ጥቅምቲ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክኸውን ዝረቑሖ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብቲ ዕለት እቲ ከምዘሳተፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ እቲ ዕለት ምስ ናቱ መደባት ከምዝጋጮ ብምጥቃስ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዘተ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ከም ቶኽሲ ደው ምባልን ምቑራጽ ተጻብኦታትን ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ስጉምታት ክትግበሩ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጽባሕ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ክጅመር ዝነበሮ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተሰጋገረ ሮይተርስ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጸውዐ ዘተ ሰላም፣ ክልቲኦም ወገናት ብዘይቅድመ ኩነት እኳ እንተተቐበልዎ፣ ህወሓት ግና ጉዳይ ድሕነት ልኡኻቱን ሎጂስቲክን ብዝምልከት ክበርህ ኣለዎ ዝበሎ ተወሳኺ ሕቶታት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ህወሓት፣ ኣብ ልዕሊ ነቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ክመርሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ፣ ፕርዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኣኦባሳንጆ ዘለዎ ዘይዕጋበት ክገልጽ እንከሎ፣ ንመንጎኝነት ኡሁሩ ኬንያታ ግና ከምዝቕበሎ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ዘይምስታፍ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ካብታ ብሰለስተ ኣባላት ዝቖመት ሸምጋሊት ጉጅለ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝምልከት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0