ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ መንግዲ ንምንዳይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 28 September 2022

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምንዳይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተመያይጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንመደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናይ ኢትዮጵያ ጸገም ናይ ኬንያ’ውን ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ እቲ ካልኣይ ዓመቱ ከቑጽር ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ ኣማራጺታት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራሞፎሳ’ውን ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምትኳር፣ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣቶኒ ብሊንከን’ውን ብተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዱ’ዩ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ኣማራጺታት ዘናዲ ልኡኽ ጌሩ ከምዝሸሞ ይፍለጥ።

ህወሓት ኣቐዲሙ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝርርብ ብመንጎኝነት ኬንያ ክኸውን ከምዝደሊ’ዩ ዝግለጽ ኔሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዝኾነ ዝርርብ ክቕበል እንተኾይኑ፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ጥራይ ክምራሕ’ዩ ጸዊዑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0