ፕረዚደንት ካዛኪስታን ድሕሪ 30 ዓመታት ብሃንደበት ስልጣኑ ሓዲጉ

ፕረዚደንት ካዛኪስታን ድሕሪ 30 ዓመታት ብሃንደበት ስልጣኑ ሓዲጉ

Radio Erena: 20 March 2019

ፕረዚደንት ካዛኪስታን፣ ኑርሱልጣን ናዛርባየቭ፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣኣብ ስጣን ምጽንሑ፣ ብሃንደበት ክእለ ወሲኑ።

ኣብ ማእከላይ ኤስያ እትርከብ፣ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ካዛኪስታን ድሕሪ ምብትታን ሶቭየት ሕብረት፣ ናጻ ሃገር ካብ ዝኾነትሉ ኣትሒዛ ን30 ዓመታት ብሓደ ፕረዚደንት’ያ ክትምራሕ ጸኒሓ።

ወዲ 78 ዓመት ኑሩልጣን ናዛርባየቭ፣ “ቀሊል ዘይኮነ ውሳኔ’የ ወሲደ ዘለኹ። ቀዳማይ ፕረዚደንት ካዛኪስታን ክኸውን ህዝቢ ዝሃበኒ ዕድል’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ካብ ስልጣኑ ብሃንደበት ክእለ ዝወሰነሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይገለጸን።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ኣቦ መንበር ባይቶ፣ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል’ዩ።

ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዝጸንሖ ፕረዚደንት ካዛኪስታን፣ ስልጣኑ ብሃንደበት ምሕዳጉ ንመንግስቲ ክረምሊን ኣሻቒሉ ከምዘሎ ተንተንቲ የመልክቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0