ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ ስልጣን ተኣልዩ

ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ ስልጣን ተኣልዩ

ኣንጻሩ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት፣ ኣቐዲሙ ብ1 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ኣብ 28 ሚያዝያ ሚያዝያ፣ ብወለንትኡ ስልጣን ክለቕቕ ምዃኑ እኳ እንተሓበረ፣ ህዝቢ እታ ሃገርን ሰራዊትን ግና ቡተፍሊቓ ብዝቐልጠፈ ክእለ ድሕሪ ዝቐጸሎ ተቓውሞ’ዩ ትማሊ 2 ሚያዝያ ስልጣኑ ሓዲጉ።

ንሱ ኣቐዲሙ’ውን ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ብምግባርን ሓድሽ መንግስቲ ብምምስራትን ስልጣኑ ከናውሕ መደቢቡ ኔሩ።


እንተኾነ ህዝቢ ብዘካየዶ ሰፊሕ ተቓውሞታት ኩሉ መደባቱ ብምስራዝ ስልጣኑ ሓዲጉ ኣሎ።

እቲ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ፣ ንመበል ሓሙሻይ ግዚኡ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ’ውን ገሊጹ ኔሩ።

ህዝቢ ኣልጀርያ ኣንጻሩ ድሕሪ ዘካየዶ ሰፊሕ ተቓውሞ፣ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ናይ ምርጫ መደብ እኳ እንተሰረዞ፣ ክሳብ’ቲ ስልጣኑ ዘብቅዓሉ ግዜ ግና መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ንምቕጻል ክከራኸር ጸኒሑ።

ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ብሕማም ወቕዒ ዝሳቐ ዘሎ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ፣ ገለ ክፋላቱ ለሚሱ ብዓረብያ ስንኵላን’ዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ።

ህዝቢ ኣልጀርያ፣ እቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ፣ ደጊሙ ክርእዮ ከምዘይደልን ብዝቐልጠፈ ካብ ስልጣን ክእለን ብዝቐጸሎ ተቓውሞታት፣ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ከም መንጎኛ ብምእታው፣ እቲ ፕረዚደንት ብሰለማዊ መንገዲ ካብ ስልጣን ክእለ ንድፊ ከምዝሓንጸጸ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ህዝቢ ኣልጀርያ ብምእላይ እቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቡተፈሊቓ፣ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሱ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ፣ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ንግዝያዊ መንግስቲ እታ ሃገር መን ከምዝመርሖ እኳ ዝተረጋገጸ ነገር እንተዘየለ፣ ካብ 1994 ክሳብ 1999 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ሊያሚን ዘሩል ጻውዒት ቀሪብሉ ከምዘሎ ይጥቐስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0