ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንሓደ ካብ ጸለወ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ቀይዱ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንሓደ ካብ ጸለወ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ቀይዱ

Radio Erena: May 19, 2014

Mahdi

ምስ ተቃወምቲ ሰልፍታት ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ጽገናዊ ለውጢ ክገብር ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሀ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንሓደ ካብ ጸለወቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሳዲቕ ኣል ማህዲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝነበረን ድሕሪ ድማ መራሒ ሰልፉ ዑማ ዝኾነን ሳዲቕ ኣልማህዲ፣ ብቀዳምይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ፣ ሃሃገራዊ ጥልመት ስለዝፈጸመ’ዩ ክብል ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ምጥቃስ ሮይተርስ ገሊጹ።

 

እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ምስ ናይ ዳርፉር ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እኳ ይጥቐስ እንተሎ፣ ብዝርዝር ዝተሓበረ ነገረ የለን።

ብመሰረት እቲ በዓል ስልጣን ሱዳን ዝሃቦ መግለጺ፣ ሳዲቕ ኣልማህዲ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክብየነሉ ይኽእል’ዩ።

እንተኾነ ሳዲቕ ኣልማህዲ ሓደ ካብ ጸለውቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብምዃኑ፣ እቲ ዝመጽእ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ልዕሊኡ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዘይወስድ ሓያሎ ሱዳናውያን ትንታነታቶም ይህብሉ።

ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ሎሊ ኣልማህዲ ዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፣ ሰልፊ ዑማ ካብቲ ንጽገናዊ ለውጢ ዝዓለመ ሃገራዊ ዘተ ስሒቡ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0