ፕረዚደንት ኣልበሽርን ሓላፊ ግንባር ምብራቕን ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ኣስመራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ተዘራሪቦም

ፕረዚደንት ኣልበሽርን ሓላፊ ግንባር ምብራቕን ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ኣስመራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ተዘራሪቦም

Radio Erena: 05 January 2015

Bashmus

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ብዝምልከት ምስ ሓላፎ ግንባር ምብራቕ ሱዳንን ምክትል ፕረዚደንትን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።

ንሳቶም ብዛዕባ ትግባረ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ኣብ ትግባሬኡ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብ ካልእ ክፋላት ሱዳን ዘሎ ህሉው ኩነታት’ውን ገምጊሞም።

 

ነዚ ዝተበጽሐ ስምምዓት ኣብ ቅዋም ዝሰፈረሉ መልክዕ ንምቕራቡ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ክወርድን ካልእ ጽገናዊ ለውጥታት ክግበርን ምዃኑ ማዕከን ዜና ሱዳን ቪዢን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ክካየድ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ለውጥታት ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሱዳን፣ እቲ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዝምራሕ ሰልፊ ከም ጎስጓስ ክጥቀመለኡ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ባይታ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይህሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር የመልክቱ።

ድሕሪ ስምምዕ ኣስመራ ዕጥቖም ኣውሪዶም ዝነበሩ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብምባል ተቓውሞታቶም የሐዲሶም ይርከቡ።

ኣባላት ተቓወምቲ ናይቲ ቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ግምባር ምብራቕ ሱዳን፣ እቶም ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዝተመቓርሑ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ዝርከቦም ሓለፍቲ ናይቲ ግንባር ከምዘይውክልዎም ምግላጾም’ውን ይዝከር።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0