ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ግብጺ ክበጽሕ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ግብጺ ናብ ካልእ እዋን ኣሰጋጊራቶ

Radio Erena: 13 April 2021

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ግብጺ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ብወገን ግብጺ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብመንገዲ’ቶም ብ18 ሕዳር ናብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካየዱ፡ ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝምራሕ ልኡኻቱ ኣቢሉ፣ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣቢሉ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ’ዩ ኣብ ወርሓት ለካቲት ወይ መጋቢት ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ሓቲቱ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ጽዑቕ ናይ ስራሕ መደባት ተጸሚዱ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ዝብል ምላሽ ከምዝሃበ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ዲፕሎማሰኛታት ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ንምብጻሕ ዝሓተተሉ ዕላማ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪን ንምህድኡ ብወገን ኤርትራ ክግበር ዝኽእል ኣበርክቶን ንምዝታይ ዘንቀደ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ እትርከብ ግብጺ፣ ፖለትካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ወትሃደራውያን ጸቕጢ ንምፍጣር ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት ዝምድናታታ ንምዕባይ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ኣቐዲማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣጥ ዝነበረት ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ዝነበራ ግብጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድንኣ ብዝያዳ ናብ ሱዳን ዛዝዩ ይርከብ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0