ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ከምዝልኣኸ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 April 2017

Salva Kir Isu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ከምዝልኣኸ ዲፕሎማሳውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፣ ኤርትራ ታሪኻዊት መሓዛ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምዃና ብምዝኽኻር መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ምስታ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳይ ንምትሕብባር ቅሩብ ከምዘሎ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

መንግስታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ እንተኽኢሎም፣ ኣብ ምርግጋጽ ጸጥታን ሰላም እቲ ዞባ ዓቢ ግደ ክጻወቱ ተስፋ ከምዘለዎ’ውን እቲ መልክቲ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዘብጸሐ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የመነ ገብርኣብን ዝሓቖፈ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ።

እቲ  ብ4 ሚያዝያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣተወ ልኡኽ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲን ክዘራረብ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ሚኒስተር ዑስማንን ኣቶ የመነን፣ ክልተ ሰበ ስልጣን ጥራይ ዝሓቖፈ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ንግድን ወፍርን ምስ ዝነጥፉ ሓያሎ ኤርትራውያን ርክብ ከካይድ ምኻኑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ይተሓባባር ኣሎ ብዝብል ክሲ፣ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ዝምድና ብዘይእዉጅ ኣደስኪልዎ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገር።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0