ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዝጸውዖ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣይተዓደመን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዝጸውዖ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣይተዓደመን

Radio Erena: 15 July, 2014

Africa Obama

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝካየድ፣ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ ፕረዚደንታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሮበርት ሙጋበን ብምሉኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ካብ 5 ክሳብ 6 ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብዚ ናይ 238 ዓመት ናይ ኣመሪካ ታሪኽ ንፈለማ እዋኑ ዝእንገድ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብታ መዲና ቤት መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነት ዋንሽንገትን ዲሲ፣ ዳርጋ ብሙሉኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንክራኸቡ ንመጀመርያ ክኸውን’ዩ።

 

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ እቲ ዕድመ ንዘቕረበሎም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ታሪኻዊ ዋዕላ ንምስታፍ ብኡ ንብኡ እወታዊ ምላሽ ክህቡ እንከለዉ፣ ንመራሕቲ ኤርትራ፣ ሱዳንን ዚማብብዌን ግና እቲ ዕድመ’ውን ከምዘይተላእከሎም’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር፣ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ስልጣኑ ዘብቕዕ መበል 44 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ባራክ ሑሰን ኦባማ፣ ነዚ ድሕሪ 238 ዓመት ንመጀመርያ እዋኑ ዝእንገድ ዋዕላ ዘዳልው ዘሎ፣ ኣብ መንጎ’ታ መበቖሉ ዝኾነት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ንምጉላሕ’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0