ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ክሳተፍ ዕድመ ቀሪቡሉ

Radio Erena: 26 January 2023

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ክሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ቀሪብሉ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዋዕላ ንኽሳተፍ ወግዓዊ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ዝልኣኸሉ፣ ሎሚ 26 ጥሪ፣ ናብ ኤርትራ ብዝኣተወ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣቢሉ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓደ መዓልቲ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዘካይዶ ዝርርብ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኪቡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ክመያየጥ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ንግስነት ኤስዋቲኒን ኣንጎላን ዑደት ከካይድ ዝቐነየ፣ ብሚኒስተር ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዎይ ልኡኽ ሩስያ፣ ንመራሕተን ተመሳሳሊ ዕድመ ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና ታርታስ ሓቢሩ።

ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዋዕላ ንምክያድ ትዳሎ ዘላ፣ ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ’ቲ ብኣመሪካ፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተጋብአ ተመሳሳሊ ኣኼባ’ዩ።

ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022፣ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ፕረዚደንት ባይደን፣ ናብ ልዕሊ 45 መራሕቲ ናይዛ ኣህጉር ወግዓዊ ዕድመ ክልእኽ እንከሎ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ኣርባዕተን ግና ከምዝገለሎም ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብቲ ኣብ ቁጠባ፣ መንእሰይት፣ ምሕደራ፣ን ካልእልን ዘተኮረ ዋዕላ ዝገለሎ፣ ብከቢድ ምግሃስ መሰል ደቂሰብ ብምውቃስ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ ሩስያ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ንምስዳድ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ናብ ኤርትራ ልኢኻ ኣላ።

ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዋዕላታት ዘይሳተፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንናይ ፕረዚደንት ፑቲን ዕድመ ብምኽባር ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ድዩ ኣይክሳተፍን ግና ኣይተነጸረን።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝኸፈተቶ ኵናት ንምዅናን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ፣ ኤርትራ ካብተን ተቓውሞአን ዝገለጻ’ያ።

ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ብምጥቃስ፣ ካብተን ደገፍ ይኹን ተቓውሞ ካብ ምሃብ ዝተቖጠባ ሃገራት ክትከውን እንከላ፣ ዝመጽእ ወርሒ ድማ ለካቲት፣ ወትሃደራዊ ልምምድ ሩስያን ቻይናን ኣብ ክሊ ማያ ክካየድ ፈቐዲ ኣላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ናብዘን ሃገራት ምትኳሩ ድማ ካብ ናይ ፖለቲካ ሽርክና ወጻኢ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ዓመታዊ ካብ 20 ሚልዮን ዶላር ከምዘይሓልፍ ናይ 2021 ጸብጻብ ኣብነት ብምቕራብ፣ መርበብ ሓበሬታ ትሬዲንግ የመልክት።

ስእሊ፦ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0