ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 03 July 2018

Al Nahyan and Issias

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ሰሉስ 3 ሓምለ ምስ ወራሲ ዓራትን ምክልት ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻልን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኣቡደቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዝርርብ ኣካይዱ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ ናይ የመን ውግእን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታትን ተዘራሪቦም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ሖዴድዳ ናይ የመን እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ንወደባት ኤርትራ ከም መናሃርያን ማእከል ሎጂስቲክን ትጥቐመሉ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ንሳቶም፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ ብዝምልክተ ከምዝተመያየጡ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናይህያን፣ ብ15 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ እቲ ወራስ ዓራት፣ ነታ ብሓባር ንወደብ በርባራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድናድ ንምምሕዳሩ ብርኪ ዝኣተወት ኢትዮጵያ ቁጠባኣ ንምብርባር፣ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ምስ መንግስታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን’ውን ቁጠባውን ወትሃደራውያን ስምምዓት ተካይድ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0