ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ እማመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 18 April 2022

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፖለትካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ እማመ ከምዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝሓዙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ኣብ ሽዱሽተ መዓልታት ክልተ ግዜ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዝተራኸቡ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ ቀንዲ ዕላማ እቲ ርክብ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዘለዎ እማመ ንምቕራብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ልኡኻት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብ11ን 16ን ሚያዝያ ምስቲ ጀነራል ክዘራረቡ እንከለዉ፣ ኣብ መንጎ ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተራኾቦም’ዮም።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሺር፣ ኣብ ቃራና መንገዲ እትርከብ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ብሒቱ፣ ንደሞክራስያዊ ስሲቪላዊ ስርዓተ መንግስቲ እታ ሃገር ከየሕቅቕ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻሩ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ጸግዒ’ቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ውትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ምዃኑ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መስሪትዎ ዘሎ ስልታዊ ዝምድና ግና ብወገን ሱዳን ተኣማንነት ከምዘይብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው እትሕመስ ዘላ ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዶብ ኣብ ተደጋጋሚ ግጭት ክትሽመም እንከላ ብኣጠቓቕማ ናይል’ውን ኣብ ምስሕሓብ ምሃላዋ ይፍለጥ።

ሱዳን፣ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ንኣስታት 26 ዓመታት ወሪሩ ሒዝዎ ዝጸንኸ ክፋል መሬተይ’ዩ ዝበለቶ ከባቢ ዶባት፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ደፊኣ ከተውጽኦ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ካብ ወገን ኤርትራ ሓገዝ ትረክብ ምንባሩ ብሓደ ሓደ ኣካላት ሱዳን ይስምዓ ኔሩ’ዩ።

ንኤርትር ኣብ ፍጹም ምልኪ ብምእታው፣ ፖለቲካዊ ህይወት እታ ሃገር ከምዝቐተለ ዝግለጽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ‘ሱዳናውያን ገጢምኩም ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክፈትሓልኩም ‘የ’ ዝብል እማመ ምቕራቡ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶኦም ንዝህቡ ዘለዉ ብዙሓት ዘገረመ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ንኤርትራ ን31 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ 2005/2006ን ‘ውን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝነበረ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ተኣምር ከምዝሰርሐ፣ ብደገፍቱ ፕሮፖጋንዳ ይካየደሉ እንተኾነ፣ እቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተበስዐ ስምምዕ ዓመት ከይመልኣአ ከምዝፈረሰን፣ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ዝነበሮ ብዝኣሰ ተሓላሊኹ ምህላውን ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝተኸታተሉ ወገናት የረድኡ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0