ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ካብ ዘሎ፣ መብዛሕቶም መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝተሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሌማ ቦኺሩ

Radio Erena: 11 November 2022

ካብ 6 ክሳብ 18 ሕዳር፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሻርም ሼኽ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሌማ፡ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ተሳቲፎም።

መራሕቲ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ግሎባዊ ዋዒ ንምቑጽጻር ክካየድ ዝኽእል ጻዕርን ምትሕግጋዝን ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር ዝተኻየደ ዋዕላ ተረኺቦም።

ኣብዚ ዋዕላ፣ ዘይተረኽበ እንኮ መራሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቅ ናይ እትርከብ ሃገር፣ ፕረዚደንት ኢስያይስ ጥራይ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብከላ ኣከባቢ ብምቅናስ፣ ወሰኽ ግሎባዊ ዋዒ፣ ኣብ 1.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ንምድራቱ ብክኢላታት ንዝቐረብ መጽናዕታትን እማመታትን፣ መራሕቲ ሃገራት ውሳኔ ክህብሉ’ዮም።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ኣብ ክሌማ ዘተኮረ ዋዕላ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ብምትዃር ክልተኣዊ ርክባት የካይዱ ምህላዎም’ውን ካብ ግብጺ ዝፍኖ ዘሎ ጸብጻባት የመልክት።

ንነዊሕ ዓመታት፣ ካብ ዝበዝሐ ዞባውን ኣህጉራውይን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ ናይ ሻርም ሼኽ ዋዕላ ዝቦኸረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0