ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኡጋንዳ ነበር ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕ/ኣ ኮይኑ ንኽምረጽ ይድግፍ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኡጋንዳ ነበር ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕ/ኣ ኮይኑ ንኽምረጽ ይድግፍ

Radio Erena: 11 July 2016

Uganda

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምክትል ፕረዚደንት ኦጋንዳ ነበር ዶክተር ስፔሶዛ ዋንዲራ ካዚብወ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽምረጽ ከምዝድግፍ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንዘካየደት ፍልይቲ ልእኽቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ሰሲልያ ኦግዋላ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ሰሲልያ ኦግዋላ ካብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ ዝተላእከ ደብዳቤ ብ7 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘረከበት ይዝከር።

 

ዕላማ ዑደት እታ ፍሉይቲ ልእኽቲ ብዛዕባ ተሳታፍነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ህብረት ኣፍሪቃ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኡጋንዳዊ ዋንዲራ ካዚብወ፣ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽምረጽ ኤርትራ ደገፋ ንምሃብ’ውን ዝጠልብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ “ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝተረቑሐ ሕጹይ ደገፍና ክንህብ ግድነት’ዩ” ክብል ነታ ፍልይቲ ልእኽቲ ከምዘረጋገጸላ ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ ጠቒሰን።

ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ንኽትግበር ብዝልዓለ ካብ ዝተዋስኣ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃና ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ከምዘሎ ዝተገልጸ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክምርምር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንሕብረት ኣፍሪቃ ምሕጽንታ ምሃቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ንሓያሎ ዓመታት ክንዕቖን ከናሽዎን ዝጸንሐ ዞባዊ ውድብ ክደናገጽ ክጅምር’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ የረድኡ።

ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ምክትሉ ንዝነበረ ዶክተር ስፔሶዛ ዋንዲራ ካዚብወ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽምረጽ፣ መንግስታት ኣፍርቃ ደገፎም ንኽህብዎ ናብ ሓያሎ ሃገራት ፍሉያት ልኡኻት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ምውፋሩ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መሰል ደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ ዘተኮረ ቴማ ሒዙ፣ ብ10 ሓምለ ኣብ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ይካየድ ኣሎ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0