ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 November 2018

Issaias Gonder

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብ ክልል ኣምሓራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎ ማዕከን ዜና ፋና ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት; ዓርቢ 9 ሕዳር ናብ ጎንደር ኣብ ዝኣትወሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራን ድሙቕ ኣቀባብላ ክገብርሉ ምዃኖም እቲ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሰላም ካብ ዝምለሳ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት፣ ጎረቤት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ነጢሩ፣ ናብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ምምልላሱ፣ መቐጸልታ ናይቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምንጻል ዝገብሮ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸወታን መናውራን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የርድኡ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ምፍጣጥ ተኸሲትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደምንት ኢሳይያስ ናብ ክልል ኣምሓራ ምብጻሕ የካይድ ብምህላዉ፣ ድሕሪ እዋን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ኣቐዲሙ፣ ኣፈኛ ባይቶ ወርቀስሞ ማሞ እትመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስቲ ፕረዚደንት ተዘራሪቡ’ዩ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ወከልቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ናብ ኤርትራ ክበጽሑ እንከለዉ፣ ወከልቲ ክልል ትግራይ ግና ክሳብ እዚ እዋን ናብ ኤርትራ ኣይበጽሑን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0