ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ናይ ውሸባ እዋን፣ ኣብ ኣባይቲ ተዓጺኻ ስፖርት ክግበር ከምዝከኣል ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ

Radio Erena: 10 April 2020

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ተወሺቦም ኣብ ኣባይቶም ዝርከቡ፣ ከዘውትሮዎ ዘለዎም ዓይነት ስፖርት ብቪድዮ ዘርጊሑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ቤት ተዓጽዩ ስፖርት እናገበረ ዘርኢ ቪድዮ፣ ብሓሙስ 9 ሚያዝያ፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ዘዘርግሓሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ውሸባ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣዋጅ ብምጥሓስ ኣብ ጎደናታት ዝጎዩን ስፖርት ዝገብሩን ሰባት ብማዕከናት ዜና ድሕሪ ምዕዛቡ’ዩ።

ንሱ ኣብ ዝሃብ መግለጺ፣ ኩሉ ሰብ ኣብ ኣባይቱ ክውሸብ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ኣብ ገዛኻ ኮይካ ከመይ ስፖርት ክትገብር ከምዝከኣል፣ ብቪድዮ ስኢለ ክዝርግሓልኩም’የ ክብል’ዩ ኣስተምሂሩ።

ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ንኡጋንዳ ካብ 1986 ኣትሒዙ ን34 ዓመታት መሪሑዋ ኣሎ።

ሙሴቬኒ፣ ዕድመ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ ዝድርት ቅዋም እታ ሃገር ብምቕያር፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዘጽንሖ ምርጫ ኣብ ምጥጣሕ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ንዓመታ ዝተሓስበ ምርጫ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮረና ቫይረስ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ክሰጋገር ከምዝኽእል ይእንፈት።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንህዝብታት ዓለምና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚሙ እኳ እንተሎ፣ ንምልካውያን ስርዓታት ግና ዘይተሓስበ ምርቓ ኮይንዎም ይርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0