‘ፕረዚደንት ባይደን፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ከካይዶ ዝመደበ ወግዓዊ ዑደት ተሰጋጊሩ።’

Radio Erena: 07 June 2022

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጆ ባይደን ናብ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ከካይዶ ዝመደበ ወግዓዊ ዑደት ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እተን መርበባት ዜና፣ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብዘን ሃገራት ክበጽሕ መደብ ከምዘሎ’የን ከጋውሓ ቀን’የን።

እንተኾነ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ እቲ ዑደት ናብ ወርሒ ሓምለ ከምዝተሰጋገረ ኣብዚ ሳልስቲ ኣገንዚበን።

ምምሕዳር ባይደን፣ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክገብር ብማሕበረ ሰብ ዓለም ድፍኢት ክግበረሉ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ፕረዚደንት ረብሓታት ኣመሪካ ንምሕላው፣ ውሑስ ዕዳጋ ነዳዲ ንምርግጋጽ ከምኡ ድማ ኣብ ጉዳይ የመን ንምምይያጥ፣ ናብታ ሃገር ከምርሕ ምዃኑ ‘ዩ ክጥቐስ ጸኒሑ።

ብዛዕባ ዑደት ፕረዚደንት ባይደን ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኹን እስራኤል፣ ካብ ቤት መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝካየድ ጉጅለ ሸውዓተን ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝጋባእ ዋዕላ ኔቶን ንምስታፍ ናብ ኤውሮጳ ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0