ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኢጣልያ ይበጽሕ

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኢጣልያ ይበጽሕ

Radio Erena: 20 November 2018

formajio in Italyፕረዚደንት ሶማል ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ኢጣልያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ኢጣልያ ኣምሪሑ ዘሎ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኢጣልያ፣ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተካይዶ ዘላ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ርክባት’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ተመሳሳሊ ዝርርባት ኣካይዱ’ዩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ፣ ፕርዚደንት ሶማል፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ 19 ሕዳር ናብ ሮማ ኣትዩ ኣሎ።

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ድማ ነናብ ዓዶም ንምስጓግን ዘኽእላ ሓድሽ ንድፊ ኣዳልያ፣ ብፓርላማ እታ ሃገር ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢጣልያ ብዘቕርቦ ዘሎ ጸብጻብ፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ብምቁራጽ፣ ናብ ሃገሩ ካብ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት፣ ብዝሒ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ’ዩ ዝሕዝ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0