ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 27 November 2018

ugandaandsomaliaፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ፣ ኣብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኡጋንዳዊ መዘንኡ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ድሕሪ ዝገበረሉ ዕድመ’ዩ ብ24 ሕዳር ናብ ኤንተበ ኣትዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስሉሳዊ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ተመያይጦም።

እቶም መራሕቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ናይ ንግዲ፣ ወፍርን ምትሕግጋዝን መደባት ዘትዮም።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ካምፓላ፣ ኣሽሓት ሶማላውያን ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኡጋንዳ’ውን፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ኣላ።

==================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0