ፕረዚደንት ሶማል፣ ናይ ጎረባብቲ ዑደት ብምቕጻል ናብ ኡጋንዳ ከምርሕዩ

Radio Erena: 08 August 2022

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብኤርትራ ዝጀመሮ ዑደት ጎረባብቲ ሃገራት ብምቕጻል፣ 9 ነሓሰ ናብ ኡጋንዳ ከምርሕ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ብምርኻብ፣ ኣበርክቶ ኡጋንዳ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ክእሉ ዝኽእል ተወሳኺ ናይ ወፍሪን ንግድን ዕድላትን ክመያየጥ ምዃኑ ደይሊ ሞኒተር ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ብምጥቃስ ኣሚቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ዝርከቡ ኣስታት 300 ኣውፈርቲን ነጋዲን፣ ኣብ ተኽእሎታት ወፍሪ ኣብ ሶማል ብዝምልከት ክመያየጥ ትጽቢት ይግበር።

ናይዚ ዞባ ዑደቱ፣ ብ9 ሓምለ ብኤርትራ ዝፈለመ ፕረዚደንት ሶማል፣ ዛጊት ናብ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ታንዛንያን፣ ግብጺ ሕጂ ድማ ናብ ኡጋንዳ ይበጽሕ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ሶማል ምትእስሳር ካብ ዘለወን ሃገራት እቲ ዞባ ዛጊት ዑደት ዘየካየደለን ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን’የን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 18 ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረቦ ጠለብ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ዑደት ፕረዚደንት ሶማል ናብታ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ምትእስሳር ዘለዋ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ እዋን ዝተሰጋገረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0