ፕረዚደንት ሶማልን ኣሚር ቀጠርን ኣብ ህሉው ኩነታት ሶማልን ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ዘትዮም

Radio Erena: 03 November 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ናብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝርከቦም፣ ክልተ ሚኒስተራትን ተሰንዩ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ቀጠር ምስ ኣተወ፣ ኣብ ህልዉ ኩነታት ሶማል ናይ መጻኢ ምትሕግጋዝን ብዝምልከት ምስ ኣሚር እታ ሃገር፣ ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ከምዝተመያየጠ ማዕከን ዜና ዘ ኢስት ኣፍሪካን ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ሶማል ብዝምልከት ተመያይጦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተቓወምቲ ወገናት ሶማል ገሊጾም።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብጉዳይ ምርጫን ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ፋርማጃ ክሰሓሓብ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮበለ፣ ናብ ቀጠር ብምብጻሕ ምስ ኣሚር ታሚም ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ሶማል የመልክታ።

ዑደት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ቀጠር’ውን ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኮረ ተባሂሉ’ዩ ተጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ቀንዲ መዋሊት መንግስቲ ሶማል ዝኮነት ቀጠር፣ ኣብ ምርጫ ሶማል ክህልዋ ዝኽእል ኣበርክቶ ንምምይያጥ ዝዓለመ ምንባሩ ተቓወምቲ ወገናት ይሕብሩ።

ብተደጋጋሚ እዋን ክናዋሕ ዝጸንሐ ምርጫ ሶማል፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ 2022 ንምክያዱ መደብ ከምዘሎ ይዝረብ።

ኣብ ለካቲት 20221 ስልጣኑ ዘብቕዐ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣንጻሩ ብዝተኻየደ ጎነጽ ተቓውሞን ዕጡቓት ሓይልታት፣ ስልጣኑ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ከረክብ ከምዝተሰማምዐ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0