ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ

kirrፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ስምምዕ ሰላም’ታ ሃገር ካብ ምፍራም ብተደጋጋሚ ክስሕብ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝገበረሉ ጸቕጢ ነቲ ስምምዕ ሰላም ክፍርመሉ ከምዝተገደደ፣ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ክፍረም’ኳ እንተነበሮ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብኣስገዳድ እምበር ብዘተ ዝተነድፈ እማመ ሰላም ኣይኮነን ብምባል ሓንጊዱ ከምዝጸንሐ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ዩጋንዳን ፕረዚደንት ኪር ኣብ ዝፈረመሉ እዋን ተረኺቦም ምንባሮም ይግለጽ።

    እቲ ፕረዚደንት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተገብረሉ ጸቕጥን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወረዶ ምፍርራህን ነቲ ዘተ ሰላም ይፈርመሉ ደኣምበር፣ ምትዕርራይ ክግበረሉ ኣለዎ ንዝበሎ ነጥብታት ብዝርዝር ኣቕሪቡ’ሎ።

    ቀቅድሚ’ቲ ናይ ምፍራም ስነ ስርዓት፣ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ዩጋንዳን፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሰዓታት ዝወሰደ ዕጹው ዘተ ድሕሪ ምክያዶም፣ ፕረዚደንት ኬንያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ዝሰማምዑሉ ነጥቢ ክብጻሕ ኣይከኣልን፣ እንተኾነ ነቲ ዕንቅፋት ዘይኮነ፣ ነቲ ተስፋ ክርእዩ ኣለዎም ኢሉ።

    ኣብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ከም ምምቕራሕ ስልጣን ፕረዚደንትን ምኽትሉን፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንዝምስረት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰራዊት ብመን ይመሓደር፣ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ገና ኣይነጸሩን ዝብሉ ተቓውሞታት ብሳልቫኪር ክጥቀሱ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0