ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ንዝተበደለ ህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ

ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ንዝተበደለ ህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ

Radio Erena: 07 March 2019

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፣ ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ንዝተበደለ ህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር እንዳዞረ እዩ ንህዝቢ ይቕሬታ ዝሓትት ዘሎ።

እዚ ‘ጉዕዞ ሰላም’ ኢሉ ሰዪሙ በብዞብኡ ህዝቢ እንዳኣከበ ዘካዪዶ ዘሎ ርክብ፣ ብሰኑይ ንፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ንምቕባል ንሓደ መዓልቲ ኣቋሪጹዎ ከምዝነበረ ይግለጽ።

ንሓርነት ህዝቡ ዝተጋደለ ውድብ ሃገር ናጻ ምስ ኣውጸአ ብሰንኪ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ንገዛእ ህዝቡ ብብረት ከሳድድ ኣዝዩ ዘጉህይ ስለዝኾነ ኣብ ቅድሜኹም ቀሪበ ይቕሬታ ይሓተኩም ኣለኹ፣ ብምባል እዩ ሳልቫ ኪር መልእኽቱ ዘመሓላልፍ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ፣ ብክልቲኦም ወገናት ተኸቢሩ ብምህላዉ ናእዳ ዝግበኦም እዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ኣዝዩ ተነቃፊ ብምዃኑ ናይ ኩሎም ግዱሳት ወገናት ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣተሓሳሲቡ።

ከምዝፍለጥ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምኽትሉ ዝነበረን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ፣ ናብ ዓሌታዊ ግጭት ስለዝዓረገ፣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣደዳ ስደትን መከራን ኮይኑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0