ፕረዚደንት ሱዳን ንፍሉይ ልኡኽ ቀጠር፣ ኣብ ጉዳያት ጸረ ሽበራን ዕርቅን፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ሱዳን ንፍሉይ ልኡኽ ቀጠር፣ ኣብ ጉዳያት ጸረ ሽበራን ዕርቅን፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 05 June 2018

Bashir Qatar envoy

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ንፍሉይ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፣ ኣብ ጉዳይት ጸረ ሽበራን ዕርቅን፣ ዶክተር ሙልታቕ ቢን ማጂድ ኣል ቓሕታኒ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ ጋልፍ ታይምስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰንበት 3 ሰነ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ቀጠር ንመስርሕ ሰላም ዳርፉር ናይ ምሽምጋል ሓላፍነታ ክትቅጽሎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተመያየጡ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብመንጎኝነት ቀጠር ክካየድ ዝጸንሐ ስምምዓት፣ እወታዊ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ዘመልከቱ ዲፕሎማሰኛታት፣ እቲ መስርሕ ደረጃ ብደረጃ ንኸይቅጽል ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ምግምማዕ ዓንቂፍዎ ምጽንሑ የረድኡ።

መንግስቲ ሱዳንን ሓያሎ ወገናት ዳርፉርን፣ ቀጠር ነቲ ናይ ምሽምጋል መስርሕ ክትቅጽሎ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም’ያ፣ ናብቲ ጠረጴዛ ተመሊሳ ዘላ።

ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን’ውን ከም መንጎኛ ንኣስታት 8 ዓመታት ዝኣለየቶ ቀጠር፣ ክልቲኦም መንግስታት ምስ ዓዑዲ ዓረብ ከምዝወገኑ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጾም፣ ነቲ ካብ 2010 ኣትሒዛ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ናይ ሽምግልና መስርሕ ደው ከምዘበለቶ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0