ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ንመበል 91 ዓመት ልደቱ ብናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብዒሉ

ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ንመበል 91 ዓመት ልደቱ ብናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብዒሉ

Radio Erena: 24 February 2015

muga

ፕረዚደንት ዚምባብዌን እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሮበርት ሙጋበ መበል 91 ዓመተ ልደቱ ብናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ኣብዒሉ።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ብቀዳም 21 ለካቲት መበል 91 ዓመተ ልደቱ ኣብ ዘብዓለሉ፣ ኣማኢት ዕዱማት ኣጋይሽ ከምዝተረኽቡ ጋዜጣታት እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒ.ኤፍ ንመበል 91 ዓመት ልደተ መራሒኡ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ንምድማቑ፣ ነቲ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከዋህልል ከምዝጸንሐ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ስታር ድማ፣ እዚ ኣብ ዕለተ ልደት ሙጋበ ዝባኸነ ብዝሒ ገንዘብ ካብ ኣፍ ድኻታት እታ ሃገር ዝተመንዝዐ ምዃኑ’ያ ጠቒሳ።

 

መራሒ ቃልሲ ንናጽነት ዚምባብዌ ዝነበረ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ብክብ ዝበለ ስነርዓት ኣብ ዘብዕሎ ዓመተ ልደት፣ ሚልዮናት ገንዘብ ካብ ዘባኽኑ መራሒ ሓደ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይ ወርሒ ጥሪ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ተረኪቡ ናብ ሃገሩ ዝምለስ ዝነበረ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምውዳቑ ብዙሕ ከምዘዛረበ ይዝከር።

እቲ ንዚምባብዌ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝመርሓ ወዲ 91 ዓመት ሙጋበ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠሞ ምውዳቕ ን70 ዓጀብቱን ኣባላት ፕሮቶኮልን ካብ ስርሖም ምብራሩ ይጥቀስ።

ብእርጋን ተሰኒፉ ሃገር ክመርሕ ኣይክእልን’ዩ እናተባህለ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ነታ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ተሓንጊጣ እትርከብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ክመርሓ ምምዛዙ ብዙሕ ነቕፌታን ዳእላን ኣስዒቡ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ኣስታት 40 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ፣ እታ ሓደ እዋን መሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብ ድኻታት ዓለም ኮይና፣ ባጤራኣ ንዝቕባበ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ ካብ ዕዳጋ ዓለም ትኣልዩ፣ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ እትንቀሳቐስ ሃገር’ያ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0