“ፕረዚደንት፣ ስልጣን ብዘይገደብ ይጥቀምን ብልሽውና ይፍጽም ኣሎ።” ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን

Radio Erena: 25 August 2020

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኤመርሰን ምናንጋጓ፣ ስልጣን ብዘይገደብ ይጥቀምን ብልሽውና ይፍጽምን ከምዘሎ ዝኸስስ ቅሉዕ መልእኽቲ ዘርጊሖም።

እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ዚምባብዌ ድሕሪ ምዝርዛር፣ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ኤመርሰን’ውን እንተኾነ፣ ነጠፍተኛታትን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘካይዱን ዜጋታት ይእሰሩን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸምን ከምዘሎ ወቂሶም።

እታ ብ14 ነሓሰ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ካልኦት ዝምልከቶምን ዝተላእከት ድሒራ ድማ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐትን መልእኽቲ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዚምባብዌ ሓንቲ ካብ ኣካታዕቲ ኣርእስታት ኮይና’ያ ቀንያ።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ዚምባብዌ ካብ ውድቀት ክትድሕን ቅልጡፍ ፍታሕ የድልያ ከምዘሎ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ዚምባብዌ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ዝድግፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ንመንግስትን ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነቅፍን ዚምባብዌ ካብ ምሉእ ውድቀት እትድሕነሉ ፍታሕ ንምንዳይ ይሕዝግ ዝበልዎ ነጥብታትን ዝሓቆፈ መልእኽቲ ጳጳሳት ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ወኪል ቫቲካን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ከም ጓሶትን ናይ ሞራል ኣለይቲ መጠን፣ ህዝቢ ናብ ሕሰምን ስደትን ዘቃልዕ ኣካይዳ መንግስቲ ክገን፣ ከም ጭቖና፣ ግፍዕን ዓመጽን ዝኣመሰለ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክስዕርር እንከሎንን ብትብዓት ክቓወምዎ መንፈሳዊ ግዴታ ስለዘለዎም፣ ጳጳሳት ዚምባብዌ ንዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሞጊሶም።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚምባብዌ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ምስቲ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ግንቦት 2019 ከምኡ ድማ ቅድሚኡ ክልተ እዋናት ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዘቕረብዎ ጻውዒትን ተመሳሳሊ’ዩ።

ዚምባብዌን ኤርትራን፣ ብድኽነት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን፣ ህዝበን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘለዎ ስቓይ ከምዝነብር ተጣበቕቲ የቃልሑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0