ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱዳን ተኻይዱ

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱዳን ተኻይዱ

Radio Erena : 14 April 2015

sudanelect

ብጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ ከምዝወዓለ ዝተነግረ ምርጫ ሱዳን፣ ኣስታት 35 ሚልዮን ካብ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር እቲ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘድመጸ ተሓቢሩ።

ውጽኢት ምርጫ ሱዳን ኣብ 27 ሚያዝያ ብወግዒ ክንገር’ዩ።

እንተኾነ እቲ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ 71 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ክዕወት ምዃኑ ብኣግኡ ይዝረብ ኣሎ።

 

ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን፣ እቲ ንይምሰል ዝተኻየደ’ዩ ዝበልዎ ምርጫ፣ ርትዓውን ኣሳታፍን ከምዘይነበረ ብምጥቃስ ገና ውጽኢቱ ከይተነግረ ነጺጎሞ ኣለዉ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0