ፕረዚደንታት ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 09 May 2019

ፕረዚደንትታት ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን፣ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ዘተኮረ ርክብ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

ፕርዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ፣ ብ5 ግንቦት ናብ ርእስ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ከተማ ጋሮወ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ድሙቕ ኣቐባብላ ጌሮሙሉ።

ፑንትላንድ እትርከበን ሓሙሽተ ዞባታት ሶማል ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበረን ምርሕሓቕ ብምውጋድ ናብ ናይ ሓድነት ዘተ ክምለሳ ካብ ዝወሰናሉ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ናብ ከተማ ጋሮወ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብዚ ናይዚ ሰሙን’ዚ ዑደት፣ ምስ መራሕቲ ናይ ሓሙሽቲኤን ዞባታት ናይ ምምኽኻርን ዘተን ርክባት ከምዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ሃገራዊ ሓድነት፣ ዘተን ምምኽካርን ዝተሳተፋ ሓሙሽተ ዞባታት ሶማል፣- ፑንትላንድ፣ ጁባላንድ፣ ጋልምዱግ፣ ሂርሸበለን ደቡባዊ ምዕራብ’የን።

ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባታት ብምእታው፣ ጸጥታ ከውሕስ ብዘይምኻሉን ፖለቲካዊ ስምምዓት ብዘይምትግባሩን ክወቕሱ ዝጸንሑ መራሕቲ ናይተን ዞባታት፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ተመሪሖም ዘካየድዎ ዘተን ምምኽኻርን፣ ንሓድነት፣ ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታዊ ርግኣትን ብሓባር ክሰርሑ ተረዳዲኦም።

ኣካል ሶማል ዝነበረት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብዚ ናብ ሓድነት ሶማል ዘተኮረ ናይ ዘተን ምምኽካርን ርክብ ኣይተሳተፈተን።

ሶማሊላንድ፣ ካብ ሶማል ተፈልያ፣ ናጻ ሃገር ንምዃን እኳ እንተወሰነት፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

እዛ ርእሰ ምምሕዳር ናብ ሶማል እትምለሰሉ ፖለቲካዊ ዘተ ክካይድ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0