ፓርላማ ሶማሊላንድ፣ ሕ/ኢማራት ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከት ክትከፍት ብምሉእ ድምጺ ደጊፉ

Radio Erena: 15 February 2017

UAE navy

መንግስቲ ናይታ ካብ ሶማል ተፈልያ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ገማግም ባሕሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ፈቒዱ።

144 ኣባላት ፓርላማ ናይትታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብሰንበት 12 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ጽዑቕ ዘተ፣ ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዝቐረበ እማመ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝደገፉ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ሳዓድ ዓሊ ሺረ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰንኪ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ዘቕረበቶ እማመ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ክሃስስ ከምዘይደሊ ምሕባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ፓርላማ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መራኽብ ኵናት ከጸግዕ ዝኽእል፣ ሓይሊ ባሕሪ ዘጠቓለለ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወደብ ሶማሊላንድ ከተቕውም ብምሉእ ድምጺ ደገፉ ሂቡ’ሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትሓትት ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ንምህናጽ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ናብ የመን ኣብ ዝቐንዐ ስርሒታታ ንወደብ ዓሰብ ትግልገለሉ ከምዘላ’ውን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ወደብ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውናን ድሌት ከምዘይብላ’ዩ ዝንገር።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትሕብባር፣ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ተንተንቲ ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0