ፑንትላንድ፣ ንጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዓሚጾም ዝቐተሉ ክልተ መንእሰያት ብሞት ተቐጺዖም

Radio Erena: 13 February 2020

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ዓይሻ ኤልያስ ዓደን ንዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፣ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምፍጻም ዝቐተሉዋ ክልተ መንእሰያት ትማሊ 12 ለካቲት ብሞት ተቐጺዖም።

እቶም ዓብዲፋታሕ ዓብዲራሕማን ዎርሰመን ዓብዲሻክር መሓመድ ዲገን ዝተባህሉ ክልተ መንእሰያት፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ከተማ ጋልካዮ፣ ኣብ ዕዳጋ ንዝረኸቡዋ ቆልዓ ጨውዮም ብምውሳድ፣ ዓሚጾም ከምዝቐተሉዋ’ዩ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ።

ንሞት ድሕሪ ምፍራዶም፣ ወላዲኣ ንዓይሻ፣ ብኸመይ ክቕተሉ ከምዝደሊ ክውስን ድሕሪ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፣ እቶም ንህጻን ጓሉ ዓሚጾም ዝቐተሉ ክልተ መንእሰያት ክርሸኑ’ዩ መሪጹ።

ብመሰረት ምርጫኡ ድማ ትማሊ ሰኑይ 12 ለካቲት፣ ኣብ ማእከል ከተማ ቦሳሶ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሽኖም።

ነቲ ምርሻን ብኣካል ካብ ዝተዓዘቡ ሓደ ኣቦኣ ንዓይሻ ኮይኑ፣ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ከረጋግጽ ዕድል ከምዝተዋህቦ’ውን ማዕከናት ዜና ካብታ ርእሰ ምምሕዳር ገሊጸን።

ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኸሰሰ ሳልሳዮም’ውን ድሕሪ 10 መዓልታት ተመሳሳሊ ዕጫ ክበጽሖ ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ሞት እዛ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፣ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ፍትሒ ንዓይሻ ዝብል ህዝባዊ ጎስጓስ’ዩ ክካየደሉ’ዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0