ፑንትላንድ፣ መምረጺ ሳናዱቕ ዓጂቦም ይጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ግጭት ኣካይዶም

Radio Erena: 18 May 2023

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣብ 25 ግንቦት ንዝካየድ ምርጫ ዘገልግል ሳንዱቕ ዓጂቦም ኣብ መንጎ ይጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ግጭት ሓድሕድ ከምዝተኻይደ መርበብ ዜና ጋረወ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ16 ግንቦት፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ጋሮወ ዝተኻየደ ግጭት ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ቆሲሎም።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተመልመሉን ኣብ ስልጣን ንዘሎ ፕረዚደንት ናይቲ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፣ እሙናት ዝኾኑን ኣባላት ፖሊስ፣ ነቲ ናይ ምርጫ ሳናዱቕ ዓጂቦም ናብ ዝተፈላለየ መድመጺ ነቝጣታት ንምብጻሕ ዝተዋህቦም ሓላፍነት፣ ብብዙሓት ወገናት እታ ሃገር እምነት ስለዝሰኣነ’ዩ ናብ ግጭት ኣምሪሑ ክብል’ዩ እቲ መርበብ ዜና ዝጠቅስ።

ካብ 2019 ኣትሒዙ፣ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዘሎ ሰይድ ደኒ፣ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ ፖለቲካዊ ምጥፍፋእ ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

ኣብቲ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ዝካየድ ምርጫ’ውን፣ እቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ፕረዚደንት፣ ምድንጋራት ክገብር ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ጥርጣረ’ዩ፣ መድመጺ ሳናዱቕ ንሱ ብዝእዝዞም ኣባላት ፖሊስ
ተዓጂቡ ክንቀሳቐስ ተቓውሞ ዝፈጥር ዘሎ።

ፕረዚደንት ደኒ፣ ብዘይፍቓድ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ብምኽታም፣ ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ከሰልጥን ከምዝጸንሐ ጸብጻብ ጋረወ የመልክት።

ኣብ 25 ግንቦት ዝካየድ ምርጫ፣ ነታ ኣብ ሰንኮፍ ጸጥታ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር፣ ናብ ዝበኣሰ ሕንፍሽፍሽ ከየምርሓ ተሰጊኡ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0