ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ተመያይጡ

Radio Erena: 06 May 2021

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጀፍሪ ፌልትማን፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ተመያይጡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብቲ 05 ግንቦት ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ምይይጥ፣ ኣመሪካ ነቲ ኣብቲ ዞባ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ኮይኑ ዘሎ ምስሕሓብ፣ መፈትሒ ኣብ ምንዳይ እጃማ ከተበርክት ቅርብቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ።

ጀፍሪ ፌልትማን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ድሕሪ ምምዛዙ፣ ናይ ፈለማ ዑደቱ ብ04 ግንቦት ብግብጺ ፈሊሙ ናብ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምብጻሕ ምስ መራሕተን ክዝቲ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ምስ መራሕቲ ናይዚ ዞባ ኣብ ዘካይዶ ርክባት፣ ኵናት ትግራይ፣ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ምስ ሱዳንን ግብጺን ፈጢሩላ ዘሎ ምስሕሓብን ኣውራ ኣጀንዳታቱ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሱዳንን ግብጺን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ሸምገልቲ ክሳተፉ ክጠልባ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ ግና ስሉሳዊ ዘተ ጥራይ ክቕጽል’ያ ትጠልብ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0