ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 17 March 2022

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ኣምባሳደር ዡ ቢንግ፣ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ የካይድ ኣሎ።

ዛጊት ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን በጺሑ ዘሎ እቲ ፍሊይ ልኡኽ፣ ምስ መራሕተን ብምርኻብ ኣብ ሃገሩ ኣብ ጸጥታ፣ ጸዓትን ልምዓትን ክትገብሮ ብዛዕባ እትኽእል ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ዘትዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ሶማልን ሱዳንን’ውን ክዝቲ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ወትሃደራዊን ቁጠባውን ረብሓታት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቻይና፣ ናብቲ ዞባ ንፈለማ እዋና’ያ ፍሉይ ልኡኽ ትምዝዝ ዘላ።

ብፍላይ ኣብ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺን ጸዓትን ገዚፍ ወፍሪታት እተካይድ ዘላ ቻይና፣ ረብሓታታ ኣብቲ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዋሰን ዞባ ንምሕላው ካብ 2017 ኣትሒዛ፣ ኣብ ጂቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር መስሪታ ትርከብ።

ቻይና፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናይ ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0