ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ናይ ኤርትራ ምስ ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዩ

Radio Erena: 15 June 2022

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብ ቻይና ምስ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተመያየጠ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ዡ ቢንግ፣ ኣብቲ ብ9 ሰነ ምስ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ኡጋንዳን ዘካየዶ ርክብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን ናብተን ሃገራት ዘካየዶ ዑደት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ብዛዕባ’ቲ ብቻይና ተመዊሉ፣ ካብ 20 ክሳብ 22 ሰነ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘትዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ንሱ፣ ኣብቲ ዘካየዶ ፈላሚ ዑደት፣ ሃገሩ፣ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትውድብ ምዃና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ቲ ዘሎ ናይ ቁጠባ፣ ጸጥታ፣ ሓደጋ ደርቂን ካልእ ዘቤታዊ ብድሆታት፣ ኣብ ሓድሕደን’ውን ምትእምማን ከማዕብላን ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓባትን ካልእ ረብሓታትን፣ ብዘተን ዲፕሎማሲን ክፈትሓን ኣይከኣላን።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕርን ረብሓታታ ንምውሓስ እትጓየ ዘላ ቻይና፣ ምስ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ናይቲ ዞባ፣ ካብ ለካቲት 2022 ኣትሒዛ፣ ንመጀመርያ እዋና ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብቲ ቻይና ዝወደበቶ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ክሳተፋ ዕድመ ቀሪቡለን እኳ እንተሎ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ብፍላይ ሱዳን ግና ምስታፋ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ‘ዩ ዝጥቀስ።

ነዚ ጥርጣረታት እዚ ንምእላይ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ቻይና፣ ብ04 ሰነ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዋዕላ ክትሳተፍ ደጊሙ ተማሕጺኑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0