ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 27 February 2017

Nikoilas Kay

ከም መቐጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ዝልእካ ዘለዋ፣ ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኒኮላስ ከይ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምርኻብ፣ ኣበርክቶ ልምዓታዊ ሓገዛትን ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደትን ኣብ ዝብል ነጥቢ’ዩ ተዘራሪቡ።

ብሪጣንያ፣ ብዝሒ ናይቶም ዓመታዊ ዶብ ፈረንሳ እናሰገሩ ዑቕባ ዝሓቱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ስደተኛታት ካልኦት ሃገራትን ከምዘተሓሳስባ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ’ያ ጸኒሓ።

ብሪጣንንያን ፈረንሳን፣ ዋሕዚ ስደትኛታት ንምግታእ ኣብ ዶባተን ሓጹር ከቑማን፣ ተወሳኺ ናይ ጸጥታ ስጉምታት ክወስዳን ድሕሪ ምስምምዐን፣ ናብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብምብጽሕ’ውን ካልእ ኣማራጺታት ንምንዳይ ከምዝሓስባ ይሕብራ።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬሚ ማሮሾ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣብ ሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2016’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሉችያኖ ፔዞቲ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ፈጺሙ’ዩ።

ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ኤርትራ፣ ንዓበይቲን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት በሊጻ፣ ብስድት ግኑን ስም ሒዘን ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ኮይና ትርከብ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0