ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት በጺሑ

Radio Erena: 04 April 2021

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን፣ ፔካ ሃቪስቶ፣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ንምዝርራብ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን በጺሑ።

ፔካ ሃቪስቶ፣ ኣብዘን ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ደው ከብል፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይመሰናኽል ክኣቱ ክፈቐድን ከምኡ ድማ ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ገበናት ኵናት ብናጻ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ኣብ ዝብል ነጥብታት ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ንሱ፣ ብሰንበት 04 ሚያዝያ፣ ምስ ሚኒስተር ዴታ፣ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ዓደል ኣል ጁቤር ብምርኻብ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝውዕል ሓገዝ ከተበርክት ኣብ ዝብል ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ተመሳሳሊ ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ተመልኪቱ።

ፔካ ሃቪስቶ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበሮ ቀዳማይ ዑደቱ፣ ንባይቶ ሚኒስተራ ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዝተደገፈ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ከቢድ ገበናት ከምዝፈጸሙ’ዩ ገሊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0