ፈ.መ. ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ ናይሮቢ ንዝበጽሑዎ ስምምዕ ሕብረት ኤውሮጳ ሞጒሱ

Radio Erena: 25 December 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ናይ ተዓዛብነትን ሽምግልናን መሰል ንሕብረት ኣፍሪቃ ክህቡ ምስምሞዖም፣ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።

እቲ ሕብረት ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዳግማይ ብምርኻብ ኣብ ዝገበሩዎ ስምምዕ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ትግራይ ኮነ ካልእ ኩሉ ናይ ኲናት ዞባታት ብምእታው ብዘይ ገደብ ክንቀሳቐስ ምፍቃዶም፣ ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ዘመልክት እዩ ክብል ሞጒሱ።

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ እቲ ዘተ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሓሙስ 22 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ‘ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ተዓዛቢት ጉጅለ ከቑሙ ተሰማሚዖም፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ንተግባራውነቱ ክከታተል እዩ’ ክብል ኣመልኪቱ።

ንሱ ብተወሳኺ ቅድሚ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ምዝዛሙ፣ ምስ ጉጅለኡ ናብ ከተማ መቐለ ከምርሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ቦታ ፍጻሜ ብኣካል ብምዕዛብ ዝርከብ ሓበሬታ፣ ንጹር ገምጋም ንምውሳድ ክሕግዘና እዩ፣ ክብል ኡሁሩ ኬንያታ ይገልጽ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ፕሪቶርያ ኣየኽበረን ብምባል ሓድሕድ ክወቓቐሱ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ብዕለት 22 ታሕሳስ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኣብ ናይሮቢ ኣካዪዶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0