‘ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ግርጭታቶም ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ክፈትሑ ቅሩባት ኣይኮኑን’ ሳማንታ ፖወር

Radio Erena: 08 August 2021

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ግርጭታቶም ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ክፈትሑ ቅሩባት ከምዘይኮኑ፣ ኣብታ ሃገር ዑደት ዘካየደት ኣመሪካዊት በዓልቲ ስልጣን ገሊጻ።
ሓላፊት ዩ.ኤስ.ኤይድ ሳማንታ ፓወር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ድሕሪ ዘካየደቶ ዑደት ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰት ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ነቲ ዞባ ናብ ወተሃደራዊ ናይ ኲናት ዞን ቀዪሩዎ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኩሎም ወገናት ዝሓቖፈ መኣዲ ዘተ ክሳተፍ ድሌት ከምዘይብሉ ገሊጻ። ብካልእ ወገን ከኣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዓብላሊ ሓይሊ ንምርኣይ ናብ ካልእ ክልላት ምስፍሕፋሕ ይቕጽሉ ምህላዎም፣ ንዘተ ሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ትሑት ምዃኑ ዝገልጽ’ዩ ክትብል መብርሂ ሂባ።
ናይ ሓይልታት ትግራይ ጸግዒ ሒዛ ብምባል ካብ ደገፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቐፌታታት ክወርዳ ዝጸንሐ እታ በዓልቲ ስልጣን፣ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ንሓደ ወገን ጥራይ ደጊፋ ብምባል ዘይዕጉብነቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
እንተኾነ ሳማንታ ፖወር፣ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብኣካል ድሕሪ ምዕዛብን፣ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ምዝርራብን፣ ክልቲዎም ወገናት ንሰላም ቅሩባት ከምዘይኮኑ እያ ትገልጽ ዘላ።
መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተሓተተትሉ ሳማንታ ፓወር፣ ምምሕዳር ባይደን ብፍሉይ ወኪሉ ጀፍሪ ፈልትማን ኣቢሉ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ናይ ሽምግልና ተራ ክጻወት ቅሩብ ምህላዉን ገሊጻ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0