ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፤ ረዲኤት ናብ መላእ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ ተሳማሚዖም

Radio Erena: 13 November 2022

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ፤ ረዲኤት ናብ መላእ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ምዃኑ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ፤ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ከምኡ’ውን ብወገን ህወሓት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ታደሰ ወረደ ክታሞም ኣብ ዘንበሩሉ፤ እቲ ስምምዕ ብቕጽበት ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ መንጎኛ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።

ክልቲኦም ወገናት፤ ህወሓት ዕጥቁ ዝፈትሓሉ መስርሕ ንምጅማር እውን ሓባራዊ ኮሚቴ ከቑሙ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ዘተ ሰላም ኣብ ዝተጀመረሉ ብኡ ንብኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዞባ ክባጻሕ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፤ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ፤ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክረኽቡ ገና ኣብ ትጽቢት ከምዘለዉ ይገልጹ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ተዛታዪ ሪዱዋን ሑሴን ብዓርቢ 11 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላእከ ረዲኤት ዝጸዓና 35 መካይን ናብ ከተማ ሽረ ኣምሪሐን ምላወን፤ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተለገሰ ሓገዝ ግና ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክስዕብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ከምዝፍለጥ፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ መላእ ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ክባጻሕ፤ ብህወሓት ካብ ዝቐረቡ ቀንዲ መዛተዪ ነጥብታት እዩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0