ፈረንሳ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዘየገድስ 30 ሽሕ ሶርያውያን ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ኣፍሊጣ

ፈረንሳ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዘየገድስ 30 ሽሕ ሶርያውያን ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 20 November 2015

Fra Sy

ፈረንሳ፣ ሽበራውያን ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዘየገድስ 30 ሽሕ ሶርያውያን ስደተኛታት ክትቕበል ምዃና ፕረዚደንት እታ ሃገር ፍራንስዋ ኦላንድ ኣፍሊጡ።

ፈረንሳ፣ “ናይ ናጽነት ሃገር’ያ፣” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንሰብኣውነትን ስደተኛታት ናይ ምርዳእ ጻዕርን ክትንክፎ ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።

እቲ ፕረዚደንን፣ ምስ ከንቲባታት ናይ ኩለን ከተማታት ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ነቲ ኣብ ፓሪስ ዝተፈጸመ ሽበራ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት እናተኣሳሰሩ ብዓይኒ ስግኣት ክርእይዎ ንዝጸንሑ ወገናት፣ ኣብ ልዕሊ ፈጠርቲ ራዕድን ስደተኛታትን ዘለዎም ኣጠማምታ ክቕይሩ ኣተሓሳሲቡ።

 

ድሕሪ’ቲ ኣብ ፓሪስ ዝተፈጸመ 129 ሰባት ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ሕሉፋት የማናውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ኣንጻር ስደተኛታት ዘለዎም ስግኣት ብወግዒ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፈረንሳ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት 30 ሽሕ ሶርያውያን ንምቕባል ተደልያ ምህላዋ ኣፍሊጡ።

ፈረንሳ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘጠቓለሉ 24 ሽሕ ስደተኛታት ንምጥያስ መዲባ ከምዘላ ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ሽበራዊ ጉጅለ ዳዒሽ ምስ ስደተኛታት ሓዊሱ ኣባላቱ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ይልእኽ ኣሎ ዝብል ስግኣት ከም ዓቢ ኣጀንዳ ኣብ ዝዝተየሉ ዘሎ እዋን፣ ኣመሪካ ስደተኛታት ሶርያ ንምቕባል ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣብ ርሱን ክትዕ ትርከብ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0