ፈረንሳ፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቆቢ ክትሃንጽ ወሲና

ፈረንሳ፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቆቢ ክትሃንጽ ወሲና

Radio Erena: 05 November 2014

Calais

ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ንዝተኣኻኸቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቆቢ ክትሰርሕ ምውሳና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር በርናርድ ካዛኑቭ ናብታ ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቓ እትርከብ ከተማ ካሌ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ኣቐዲሙ፣ ኣብ ከተማ ካሌ እናገነነ ንዝመጽእ ዘሎ ባእስን ዕግርግርን ስደተኛታት ንምግታእ ናብታ ከተማ ዝዋፈር ቁጽሪ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ኣባሉት ጸጥታን ናብ 450 ክብ ክብል ከምዝወሰነ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩነታት እታ ብስደተኛታት ኣቕለቕሊቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ብኣካል ንምዕዛብ ከኣ’ዩ ናብ ናብ ካሌ ኣምሪሑ።

 

ሚኒስተር ካዛኑቭ ኣብ ናይ ካሌ ዑደቱ፣ ንኩነታትን ናብራን ስደተኛታት ድሕሪ ምዕዛብ፣ በረድን ዛሕልን ዝጅምረሉ ወቕቲ ሓጋይ ቅድሚ ምእታዉ፣ ግዝያዊ መዕቆቢ ብዝቐልጠፈ ክነነጽ ምዃኑ ዝገለጸ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ብምዃኖም ብዙሕ ቆላሕታ ከይገበረሎም እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብታ ከተማ ብዝርአ ዘሎ ግጭታትን ተቓውሞ ነበርትን ኣባልት ፖሊስን ግና ህጹጽ ውሳኔ ክህብ ተገዲዱ ይርከብ።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ዝተኻየደ 10ታት ስደተኛታት ዘቑሰለ ግጭት፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ረኺቡ ኣሎ።

ከንቲባ እታ ከተማ ናታሻ ቡሻር፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንጉዳይ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ስደተኛታት መዕለቢ እንተዘይጌርሉ፣ ኣገልግሎት እቲ ወድድደብ ደው ከተብሎ ምዃኑ ከተጠንቕቕ ጸኒሓ’ያ።

ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን’ውን ኣብ መንጎ ስደተኛታት ክውላዕ ንዝኽእል ግጭታት ንምግታእ ዘኽእሉ እኹል መሳርሒን ብዝሒ ሰብ ኣይተዳለወን ብዝብል ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ዝዝከር’ዩ።

ፈረንሳ፣ ነቶም ኣብ ጎደናታት ቴንዳን ኮቦርታታትን ብምዝርጋሕ እናሓደሩ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝጽበዩ ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቖቢ ክትሃንጽ ምውሳና፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ከተማ ከተባብዕ’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስተር ካዛኑቭ፣ ጎኒ ጎኒ ምህናጽ እቲ መዕቖቢ ካልእ ኣማራጺታት ከተናዲ ምዃና’ውን ኣገንዚቡ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0