ፈረንሳ ኣብ ካሌ ዝጸንሑ ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዛ

Radio Erena: 26 October 2016

Calais buses

ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ናብ ዝተዳለወ ግዝያዊ መዕቖቢታት ኣግዒዛ።

እታ ሃገር፣ ንካሌ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ኣብ ዝወሰደትሉ፣ ነቲ ቴንዳታት ብዶዘራን ቅድሚ ምዕናዋን ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ ዓፊሽ መፊሽ ብሓዊ ቅድሚ ምቕጻላ፣ ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ዝወሰኑ ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣግዒዛቶም።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ብሪጣንያ ንምግዓዞም እቲ መስርሕ ገና ይቕጽል ኣሎ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንካሌ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ መዛረቢ ነጥቢ ኮይኑ ይርከብ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ድሕሪ ምዕናው ካሌ፣ ፈረንሳ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዕቱብ ክትሕዞ ምዃና ክገልጽ እንከሎ፣ ክፍሊ ምምሕዳር ኣባይቲ እታ ሃገር ንትሕቲ ዕድመ ዝተሓዝአ ፍሉይ ቦታ ክዳሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ብወገኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ክሌ ንዝግዕዙ ኣስታት 7 ሽሕ ስደተኛታት ግዝያዊ መጽሊታት ተዳልዩ ከምዘሎ ይሕብር።

ፈረንሳ፣ ማዕረ’ተን ኣብ ሰሜን ዝርከባ ካልኦት ሃገራት ኤወሮጳ ንስደተኛታት ብህጹጽ ተቐቢሉ ዘመሓድር መዓስከራት ኣይጸንሓን።

ድሕሪ’ዚ ምስ ብሪጣንያን ኢጣልያን ኣብ ዘዋስና ከባቢታት ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ግን መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስታት 32 ግዝያዊ መዓስከራት ከዳሉ ምዃኑ ይሕብር።

ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 60 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ እታ ሃገር ንትሕቲ 15 ሽሕ ጥራይ’ያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባ።

ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቡ ትሕቲ15 ሽሕ ስደተኛታት፣ እቶም ኣስታት 3 ሽሕ ኤርትራውያንን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያንን’ዮም።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0