ፈረንሳ፣ ኣብ ከተማ ኒስ፣ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቃዕቲ 3 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 October 2020

ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ኒስ፣ ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ ኣፍደጊኡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካራ መጥቅዕቲ ብውሕዱ 3 ሰባት ተቐቲሎም፣ ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

መንግስቲ፣ ሓለዋን ጸጥታን ንምሕያል ተወሳኽቲ ኣባላት ጸጥታ ከዋፍር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ንነቢይ መሓመድ፣ ብካርቱን ምስኣል ሓደ ክፋል ናይቲ ፈረንሳ እትኽተሎ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ’ዩ ዝብል መደረ ምስምዑ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣስላም፣ ኣንጻር ፈረንሳ ዝቐንዐ ተቓውሞታትን መጥቃዕትን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ መደረ ዘስምዐ፣ ሳሙኤል ፓቲ ዝተባህለ ናይ ታሪኽ መምህር፣ ናይ መሓመድ ካርቱን ዝሓዘት ጋዜጣ ንተመሃርኡ ድሕሪ ምርኣዮ፣ ሓደ ኣኽራሪ ሰዓቢ ምስልምና ዝኾነ መንእሰይ ብኻራ ድሕሪ ምሕራድዩ።

እታ ጋዜጣ፣ ኣብ 2015፣ ነቲ ካርቱን ድሕሪ ምዝርግሓ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታታ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ንዝኽሪ እቲ ናይ ቅድሚ 5 ዓመታት ፍጻሜ ተባሂሉ ኣብዚ ዓመት ኣዚ ኣብ ዝተዳለወ ተመሳሳሊ ሕትመት ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምና ተወሳኺ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ብፍላይ ድሕሪ ቅትለት እቲ መምህር፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝሃቦ፣ ናይ ካርቱን ስእሊ ነቢይ መሓመድን መሰል ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መደረ፣ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ፈረንሳ እገዳታት ክግበር ብፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ሶማል፣ ፓኪስታን፣ ባንግላዲሽን ካልኦት ሃገራትን’ውን ኣንጻር ፈረንሳ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታቱ መጥቃዕታት ክፍጸም ስለዝኽእል ጥንቓቐታት ክግበር መልእኽቲ ኣሕሊፉ ይርከብ።

ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ስዑዶ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ዝርከብ ኤምንባሲ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ድማ ሓደ ካብ ዋርድያታት ቆሲሉ።

ነቲ መጥቃዕቲ አካየደ ሰብ ብኡ ንብኡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0