ፈረንሳ፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ኣዋርሕ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ከተጣይስ’ያ

ፈረንሳ፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ኣዋርሕ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ከተጣይስ’ያ

Radio Erena: 18 November 2015

France erit

ፈረንሳ ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ምምቕራሕ መስርሕ፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበል’ያ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቶም 200 ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክመጹ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ 300 ከኣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክስዕቡ’ዮም።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ ኣብ መጀመርያ ወርሒ’ውን 400 ስደተኛታት ንምቕባል ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።

 

ፈረንሳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኢጣልያ ዝተጣየሱ 19 ኤርትራውያን ዝሓቖፈት ናይ መጀመርያ ጉጅለ ተቐቢላ’ያ።

ብዘይካ’ዚ’ውን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ኣካብ ግሪኽ ከምዘጣየሰት ጸብጻብ እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።

ፈረንሳ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያን ኤርትራን ዝርከብዎም 24 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያን ግሪኽን ከተጣይስ መዲባ ምህላዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ብዓርቢ 13 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ጉዳይ ዋሕዚ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ብምህላዉ፣ መንግስቲ ነቲ 24 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ መስርሕ ደጊሙ ክሓስበሉ ብየማናውያን ሰልፍታት ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዜጋታት 19 ሃገራት ዝርከብዎም ኣስታት 130 ንጹሃት ሰባት ዝቐተለን፣ ኣምኢት ከኣ ዘቑሰለን ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ብስም ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ዝኣተዉ ዜጋታት ሶርያ ከምዝተሳተፉ’ዩ ዝጥቐስ።

ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኣስታት 5 ሽሕ ሶርያውያን ነቶም 96 ሚእታዊት ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃብቶም ጸብጻብ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር የረድእ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 65 ሽሕ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ እታ ሃገር ነቶም 15 ሽሕ ጥራይ’ያ ዑቕባ ሂባ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኣቶም ከኣ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት መፍትሒ ክርከበሉ እንተኾይኑ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ምግባር ከምዘድሊ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ሆላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማልታ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

===================================

 

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0